መን ትኮን ሄዋነይ
                                                  አካላ ለጊሳ
                                                        ትቅበል አካለይ
                                                 ልባ ናትይ ዝኮን 
                                                         አነ ዝህባ ልበይ
                                                መን ትኮን ሄዋነይ
                                                          ጸጋመይቲ ጎነይ።                                     
                                                 ቀመር ፍቅሪ ትህብ-
                                                         ምሳይ ተደሚራ
                                                  ምእንታይ ትነብር
                                                        አነ ዝነብረላ 
                                                  መን ትኮን ሄዋነይ
                                                        አምላክ ንዓይ ዝብላ።
                                                                                    ህሊና መንግስቴ
                                                                                     አርባ ምንጭ ዩኒቨርሲቲይ
                                                                                          2004 ዓ.ም